ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኵነታቶም ከም ዘይተመሓየሸ ይገልጹ፣ ሕቡራት ሃገራት ከ እንታይ ይብል?
ኣብ ኢትዮጲያ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተደኰነ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝናብ ክራማት ብዘስዓቦ ኵነታት፡ ኵነታቶም መሊሱ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝወረደ ገሊጾም።
ኣቦ መንበር ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ‘ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ’ ዝዀነ ኣቶ ሃብተኣብ እዮብን ኣብቲ መዓስከር ሻድሻይ ርእሳ እትነብር ዮዲት ዝተባህለት ኤርትራዊት ስደተኛን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ፡ ኣብዚ ወርሒ ክዘንብ ዝጀምረ ዝናብ ክራማት ተወሲኽዎ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ስቓይን ብዅሉ ሸነኻቱ ዘይምቹእ መነባብሮን ወዲቘም ከምዘለው ይገልጹ።
ዮዲት፡ “እቲ ቦታ ጀቕጀቕ ጨፈቃ፡ ጭፍን ዝበለ ግመን ጭው ዝበለ በረኻን ስለዝዀነ፡ ንድሕነትካ’ውን ኣስጋኢ’ዩ፤ ብቐሊሉ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፡” ትብል። readmore
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.