ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ዓመታዊ ፀብፃብ ሚኒስትሪ ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
ዋሽንግተን —
ሚኒስትሪ ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዙሪያ ዓለም ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት በብዓመቱ ብዘውፅኦ ፀብፃብ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣውፂኡ ኣሎ።4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፀጥታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኵናትን ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ዝተናውሐ ግጭትን ከበድትን ሰፋሕትን መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ ኣሎ።
እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኦም ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብኣወንታዊ ለውጢ ዝተዓጀበ ነይሩ ይብል።መንግስቲ ብኽሕደት ተኸሲሶም ዝነበሩ ፖለቲካዊ መራሕቲ ናብ ሃገሮም ክኣትው ብምዕዳም ፖለቲካዊ ምንቅሳቓሶም ከሰጉሙ፣ናይ ምድጋፍን ምቅዋምን ሰልፍታት ምክያድ ብምፍቃድ፣ዓፈንቲ ሕግታት ብምምሕያሽን ወዘተ ለውጥታት ምክያዶም ይገልፅ። readmore
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.