ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቆላሕታ ኩሉ ኤርትራዊ ክብሕት ዝግባእ ኩነታት
ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቅል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ መዓልታዊ ንከታተሎ ዘለና እዩ። ኣብ ክልል ዓፋር ብሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዘካይድሉ ዘሎ እዋን፡ ኣሻሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሞት ክቃልዑ ከለው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጌና ስንብራትን ደበናን ኲናት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ኩነታት ትግራይ፡ ብጥምየት፡ ሕጽረት ቀረብ መድሃኒትን ሕክምናን ይሞቱን ይሳቐዩን ከምዘለው ዓለም ዝፈልጦን፡ መዛግብቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ዝምስክሮን ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ድማ፡ ወዓል ሕደር ዘየድልዮን ዘስካሕክሕ ኩነታት እዮም ዝርከቡ።
ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣስታት 149 ሽሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ካብዚኦም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ዝነበሩ እዮም። እዞም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ በቲ ብሕዳር 2020 ዝተወለዐ ውሽጣዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ግዳያት ኮይኖም ኣለው። ልዕሊ ኩሉ ጸጥታውን ፖሎቲካውን ኩነታት ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝኸፍአ ናይ ህይወት ሓደጋ ሸሚምዎም ይርከብ። radmore
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.