ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕመጥሉ ሆቴል ኣልዒልዎ ዘሎ ክትዕ እንታይ እዩ?
18 ሕዳር 2024
ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምምሕዳር ማንቸስተር ዓቢይ ዝርከብ፡ ኣብ ቀረባ ኣስታት 300 ሓተትቲ ዕቝባ ክነብርሉ ዝጀመሩ ሆቴል ዝቕመጡ ሰባት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ሕቶታት ከልዕሉ ጀሚሮም።
ኣብዚ ክሬስታ ኮርት ዝተባህለ ሆቴል ዝነብሩ ዘለው ሓተትቲ ዕቝባ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ይእመን።
ኣብ ግሬተር ማንቸስተር ቤት ምኽሪ ከባቢ ትራፎርድ ንጕጅለ ተቓዋሚ ዓቃባውያን ዝመርሕ ናታን ኢቫንስ፡ “ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ድሕነት” ከም ዘሎን፡ እቲ ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ ምምሕዳር “ነዚ መሳለጥያ ብህጹጽ ክዕጾ ጸቕጢ ክገብር” ከም ዝጠልቡን ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝተወሰነ ዝገልጽ መራሒ ቤት ምኽሪ ቶም ሮስ፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ “ንብድሆታት ኣባይትን መስርሕ ዑቕባን ዝያዳ ቀዋሚ ፍታሕ ክረክብ” ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ።
ኣብታ ሃገር ክቐርብ ዝጸንሐን ንዓመታት ዝተኣከበን ሕቶታት ዑቕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝጐደለ ክግለጽ እንከሎ፡ ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 97 ሽሕ ሰባት ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣስታት 175 ሰባት ኣብ ቤተክርስቲያን ኣልትሪንቻም ሜቶዲስት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ተረኺቦም፡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ሆቴል ክረስታ ኮርት ይነብሩ ምህላዎም ዝምልከት ዘትዮም። readmore
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.