ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
RADIO ERENA
oSrestndophe1haa8a1i bl Dt: ch6f91210f1r42ti2m13c67e4m1t14ec ·
ALERT ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኤርትራውያን ብመንገዲ ዓሰብ-ቡረ ሰጕጓ
RADIO ERENA – Wednesday, 04 December 2024
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ካብ ትማሊ ሰሉስ 03 ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ብመንገዲ ዓሰብ – ቡሬ ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።
ዛጊት ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ ኣብዘን ክልተ መዓልታት፣ ናብ ኤርትራ ተሰጕጎም ኣለዉ።
ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ተዳጕኖም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።
እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝሰጎጎም ይዝከር።
ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ከካይዱ ምውርሖም ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ ሸርፊን ሓዋላን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ተዛሪቡ’ዩ።
ኣቐዲሙ’ውን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምሓዝ፣ ተደጋጋሚ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ብወገን ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።
እንተኾነ፣ እቲ ናይ ግፋን ማእሰርቲን መስርሕ ብዝያዳ ናብ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ ዕላማን መልእኽትን ከምዘለዎ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝኣምኑ።
===================
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
Like
Comment
Share
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.