ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ዩጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስክፍታ ዝፈጠረ ዘተ እንታይ እዩ?
20 ለካቲት 2024
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ባይቶ ዩጋንዳ ብዕቱብ ካብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ሓደ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገርን ዝፈጠሮ ኵነታትን ዝምልከት ምዃኑ ካብቲ ከባቢ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓደ ኣባል ባይቶ ዘልዓሎ ነጥብታት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን እናተዘርገሐ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ዩጋንዳ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠን፡ እዋናዊ ኩነታት ብምክትታል ንማሕበረሰቡ ብመገዲ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዘካፍል ኤርትራዊ የማነ ሃይለ ኣዘራሪቡ’ሎ።
የማነ፡ እቲ ጉዳይ፡ ባይቶ ዩጋንዳ ብ15 ለካቲት 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ዝተልዓለ ምዃኑ ይጠቅስ።
ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝፈጠሮ ስክፍታ ድማ፡ ” ማዕረ ዕድላት ንስደተኛታትን፡ ስደተኛታት ዘዕቁቡ ከባቢታትን” ዝብል ምንባሩ፡ ነቲ ኣኼባ ብመገዲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብዝርዝር ከም ዝተኸታተሎ የረድእ።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ዩጋንዳ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዘለዋ መዓስከራት፡ ካብ ኮንጐ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ብዝሒ ስደተኛታት ዘአንግዳ ምዃነን፣ ከምኡ’ውን ብወገን ምዕራብ ዩጋንዳ ካብ ሃገራት ሩዋንዳ ብሩንዲን ኮንጐን ዝመጽኡ ስደተኛታት ዘለዉዎ ከባቢታት ምዃኑ የማነ የቐምጥ።
በዚ መሰረት፡ ይብል የማነ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ዘጻሪ ኮሚተ ባይቶ ዩጋንዳ ኣብ ኵለን ስደተኛታት ዘዕቆባ ወረዳታት ተንቀሳቒሱ ዘዳለዎ ጸብጻብ ንባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ፡ እቲ ዘተ ኣባላት ባይቶ ተላዒሉ።
እቲ ጸብጻብ ሽግራት እተን ስደተኛታት ኣስፊረን ዘለዋ ወረዳታት፣ እቲ ነባሪ ህዝቢን ኵነታት ናይቶም ስደተኛታት ከ እንታይ ይመስል ንዝብል መጽናዕቲ ምርኩስ ዝገበረ ጸብጻብ እቲ ባይቶ ከም ዝሰምዐ ማ የብርህ። source https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cyxdv74wk06o
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.