ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ኤርትራውያን ሕጂ’ውን ናብ ትግራይ ይስደዱ: ጭውያ ይቕጽል
ውዕል ሰላም ፕሮተርያ – ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈሪሙ ኲናት ትግራይ ደው ካብ ዝብል ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ጌሩ ኣሎ::
ኣብ ትግራይ ኲናት’ኳ ደው እንተበለ ስምብራት ዓውደ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ጥሜትን ምምዝባል ህዝብን ግን ጌና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ::
እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ሓያሎ ኤርትራውያን ሕጂ’ውን ዶብ ሰጊሮም ናብ ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ ካብ ምእታው ኣየቋረጹን::
ኣብ ኤርትራ ናብራ ክሳብ ክንደይ ስለዝመረሮም እዮም ገለ ኤርትራውያን ናብ ዞባ ዓውደ ኲናት ዝኾነት ትግራይ ምስዳድ ከም ምርጫ ዝወስድዎ ዘለዉ? ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ::
ንሱ ከይኣክል ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ ይጭወዩን ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱን ከምዘለዉ እዩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝሕብርዎ ዘለዉ::
ሓያሎ ተጨውዮም ጂሆ ተታሒዞም መጠኑ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብሓዋላ ከፊሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸዱ ይግበር ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ::
ኣብ ኣዲስ ኣበብ’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ብፖሊስ ከይተረፈ ይጭወዩን ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ ይግደዱን ኣለዉ::
ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፈ እሙን ምንጪ ንኣብነት ‘ወላሓንቲ ከይገበረ ፖሊስ ንሰሙን መመላእታ ከምዝኣሰርዎ ሸሞንተ ሽሕ ብር ኣኽፊሎም ከምዘውጽእዎን ይሕብር::
ንሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ ፖሊስ ኣብ ወጻኢ ክንደይ ኣሕዋት ኣለዉኻ? ወርሓዊ ክንደይ ገንዘብ ይሕወለልካ ዝብል ሕቶታት ከምዝቐረበሉ: ሓደ ፖሊስ ኣፉ መሊኡ ‘ንሕና እኹል ገንዘብ የብልናን ንስኻትኩም ግን ብሓዋላ ብዙሕ ገንዘብ እናረኸብኩም ናብራ ኣኽቢርኩምልና’ ክብል ከምዝተዛረቦን ገንዘብ እንተዘይከፊሉ ናብ ሃገሩ ከባርርዎ ምኳኖም ከምዝነገሮ ይገልጽ:: source https://erena.org/%e1%8a%a4%e1%88%ad%e1%89%b5%e1%88%ab%e1%8b%8d%e1%8b%ab%e1%8a%95-%e1%88%95%e1%8c%82%e1%8b%8d%e1%8a%95-%e1%8a%93%e1%89%a5-%e1%89%b5%e1%8c%8d%e1%88%ab%e1%8b%ad-https://erena.org/%e1%8a%a4%e1%88%ad%e1%89%b5%e1%88%ab%e1%8b%8d%e1%8b%ab%e1%8a%95-%e1%88%95%e1%8c%82%e1%8b%8d%e1%8a%95-%e1%8a%93%e1%89%a5-%e1%89%b5%e1%8c%8d%e1%88%ab%e1%8b%ad-%e1%8b%ad%e1%88%b5%e1%8b%b0%e1%8b%b1/%e1%8b%ad%e1%88%b5%e1%8b%b0%e1%8b%b1/
=======================
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.