ICERAS

ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally

UNHCR ብጉዳይ ድሕነት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረብ

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብድሕነት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፣ ኣስታት 300 ኤርትራዉያን ብግዲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዝብል ሓበሬታ ስክፍታ ኣሕዲሩ፣ ድሐነት ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ንምርግጋጽ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይመያየጥ ምህላዉ ኣረዲኡ ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጺቡ ነይሩ።እቲ ኮሚሽን ጸብጻቡ፣ ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ናይ ስደተኛ ሰነድ ከምኡ’ውን ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኤርትራዉያን ፣ ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ንንዉሕ ዝበለ መዓልታት ይቕየዱ ምህላዎም ምዕዛቡ ይጠቅስ።

ንድሕነት ስደተኛታት ኪጽዕታ ዝግበአን መንግስታዉያን ይዂና ኣህጉራዉያን ኣካላት ፣ ማለት ከም ARRAን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ፣ ሰነዳዊ ውሕስነት ስደተኛታት ኣብ ምኩዋን ርኡይ ምምሕዳራዊ ድኻማት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ግቡእ ወረቃቕቲ ስኢኖም ግዳይ ዘይተደልየ ማእሰርቲን በደልን ይኾኑ ከምዘለዉ መስኪሩ እዩ።

እንተኾነ ፣ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመላሶን ኢትዮጵያ ማለት RRS ምስቶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዝተባህሉ ሰባት ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ይኹን ሕጋዊ ስደተኛ ከምዘይነበረ እዩ ዝገልጽ።
እቶም ዝእሰሩን ናይ ምምላስ ሓደጋ ገጢምዎምን ዘሎ ኤርትራዉያን ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ናይ ስደተኛ ቅጺ ዘይተመዝገቡ ወይ ነባሪ ወርቐት ዘይሓዙ ከምዝኾኑ ዝምጉት RRS፣ ብዛዕባ እቲ ስደተኛታት ሕጋዊ ሰነዳት ኪሕዙ ዝገጥሞም ዘሎ ምምሕዳራዊ ጸገማት ግን ዛጊት ክገልጽ ኣይመርጽን ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኩሎም ኣብ ኣዲሳበባን ከባቢኣን ዝነብሩ ስደተኛታትን ወጻእተኛታት ገያሾን ኣስማቶምን ኩነታቶምን ናይ ምምዝጋብ ጽዑቕ ወፍሪ ኣቃኒዑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዘይተመዝገቡ ኤርትራዉያን ካብ ቀንዲ ግዳያት ናይ’ቶም ብሰብ መዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ማኣሰርቲን መጥረዝቲን ይኾኑ ምህላዎም እዉን ይንገር።

እቲ ካብ 18 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2022 ተኻይዱ ዝነበረ ምዝገባ ፣ ነቶም ቪዛኦም ዝወደቐ\ዕለት ዘሕለፈ፡ መንበሪ ፍቓዶም ዝሓረረ፡ ብዘይ ቪዛ ይዂን መንበሪ ፍቓድ ክነብሩ ዝርከቡ፡ ከምኡ’ዉን ሕቶ ዑቕባኦም ዝተዋሕሰሎምን ኣብ መስርሕ ዘሎን ስደተኛታት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ-ኣበኣን ከባቢኣን ዝዓለመ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሪሽንን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዉሽጢ’ቲ ተጠቒሱ ዝነበረ ዕለት ከይተመዝገቡ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ወገናት ተሪር ስጒምቲ ኪህሉ ከምዝኾነ እዉን ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ source


Leave a Reply

  • hublot replicas
  • replica uhren erfahrungen
  • uhren replika
  • swiss replica uhren
  • replica uhr
  • uhren kaufen online
  • luxusuhren replica
  • replica uhren per nachnahme
  • uhren imitate
  • fake uhren hublot
  • gefalschte uhren
  • replica uhren shop
  • uhren replica hublot
  • replique montre hublot
  • replique montre pas cher
  • copie montre de luxe
  • replica de relojes cartier
  • relojes imitacion tag heuer
  • replicas watches
  • relojes replicas aaa
  • repliche orologi di lusso
  • replica orologi svizzeri
  • replica orologi
  • orologi replica italia
  • repliche orologi
  • relojes especiales
  • replica de relojes
  • replicas relojes de lujo
  • imitaciones de relojes
  • replicas de relojes en espana
  • replicas de relojes suizos
  • replicas relojes espana
  • relojes especiales compraventa
  • relojes de lujo marcas
  • replicas relojes suizos
  • relojes replicas suizas
  • replica de relojes rolex
  • replica de relojes cartier
  • replica de relojes breitling
  • relojes especiales omega
  • replicas relojes tag heuer
  • relojes especiales omega
  • replica de relojes rolex
  • replicas de relojes
  • repliche orologi di lusso
  • replica orologi svizzeri
  • uhren fakes
  • replique montre luxe
  • orologi replica
  • repliche orologi
  • replica orologi
  • imitazioni orologi
  • replica orologi svizzeri
  • repliche orologi di lusso
  • replica iwc
  • orologi imitazioni
  • imitazione orologi
  • orologi repliche perfette
  • orologi di lusso replica
  • orologi replica cinesi
  • orologi replica milano
  • replica orologi italia
  • orologi replica rolex
  • orologi replica longines
  • repliche orologi di lusso
  • gefalschte uhren
  • replica uhren shop
  • uhren replica hublot
  • replique montre omega
  • replique montre luxe
  • montre pas cher
  • replicas de relojes
  • Imitation De Montres Omega Montres Imitacion de relojes Rolex baratos espa?a Rolex Replica Orologi Omega Replica Orologi Longines Replica