ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
በኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ካሊ ይወጹ፡ ካልኦት ድማ ነቲ መስርሕ ይቓወሙ [2016]
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዝደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ኣብ ሃገሮም ዝርኸብ “ካሊ” መዓስከር ስደተኛታት ከምዘፍርስዎ ብወግዒ ተዛሪቦም ኔሮም።ካብ ትማሊ ሶኑይ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሩ ድማ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ዝተዳለውሎም ኣውቶቡስ ብምጽዓን ናብ ካልእ ማእከል ስደተኛታት ክጉዓዙ ተራእዮም እዮም።
ዋሽንግተን — ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ በርናንድ ቻዛነቨ እቲ መስርሕ ብህድኣት ይኸናወን ከምዘሎን ትማሊ ጥራይ አስታት 2,318 ስደተኛታት ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታ ከምዝግዕዙ ይገልጹ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታትን ከም አማኻሪ ኮይኑ ዝሰርሕን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ኣብ ካሊ ዘሎ ምጉዕዓዝ ስደተኛታት ከም ተዓዛቢ ኮይኑ ዝሰርሕ አቶ ኻልድ አብዱ ኣብ ካሊ አስታት 10,000 ስደተኛታት ከምዝርከቡ ካብዚኣቶም 20 ሚእታዊት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ምኻኖም 45 ሚእታዊት ሱዳናዊያን 35 ሚእታዊት ድማ ኣፋጋኒስታናዊያን ምኻኖም ካብዚኦም እቶም 1,500- 2000 ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምኻኖም እንተኮነ ግን እዚ ቁጽሪ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብር። SOURCE http://tigrigna.voanews.com/a/migrants-in-calais-unhcr/3565649.html read more
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.