ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ሊብያ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣስገርቲ ልዕሊ 480 ኤርትራውያን ተታሒዞም
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ትሪፖሊ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ኣብ ሓደ መዳጐኒ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ 483 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ማዕከን ዜና ሊብያ ኦብዘርቨር ገሊጹ።
መንቀሊ ናይዚ ስጕምቲ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዜጋታት ከም ዝተጨውዩ ዝሕብር ሓበሬታ ድሕሪ ምብጻሑ እዩ። ካብኣቶም እቲ ሓደ ብሰንኪ ዝወረዶ ብርቱዕ ስቓይ ክመውት ከሎ፡ ሃለዋት ናይቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግና ዛጊት ኣይተፈልጠን።
በዚ ምኽንያት፡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ደቡብ ትሪፖሊ ምስ ቅትለት፡ ምጭዋይን ስቓይን ዝተኣሳሰረ ገበናዊ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ። readmore
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.