ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣስታት 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡRADIO ERENA
RADIO ERENA
· ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣስታት 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡRADIO ERENA:- Thursday , 29 February 2024ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኮነ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ኣስታት 22 ሽሕ ኤርትራውያን ተዓቚቦም ከምዘለዉ፡ ወኪል ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት– UNHCR ካብታ ሃገር ሓቢሩ።UNHCR፡ ብ27 ለካቲት፡ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቶም 500 ኣብ ዝተነድቐ መንበሪ ኣባይቲ ክሰፍሩ እንከለዉ፡ እቶም 21ሽሕን 500 ግና ኣብ ቴንዳታት ዘጽለሉ ምዃኖም ገሊጹ።መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ቤት ትምህርቲን ሕክምናን ዝርከቦ መባእታዊ ኣገልግሎታት ይህቡ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፡ እንተኾነ እኹል ቀረባት ንምድላው ኣህጉራዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ጸዊዑ።ኣብቲ መዓስከር፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበራ ሰለስተ መዓስከራት ዝሃደሙ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ‘ዮም ተዓቚቦም ዝርከቡ።ኣለምዋጭ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተዛማዲ ውሕስነት ክህቦም ተባሂሉ እኳ እንተተመስረተ፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ግና ኣሻቒሉ ይርከብ።ኣብ ሱዳን ካብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝሃደሙን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገፈፉን ኣማኢት ኤርትራውያንውን ኣብዚ መዓስከር ተዓቚቦም ምህላዎም ይፍለጥ።ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ነበርቲ እቲ መዓስከር ንዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ቆልዑ ብምጭዋይ፡ ገንዘብ ክሓቱ ይርኣዩ‘ ዮም።ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነትhttps://erena.org
All
All reactions:66
reactions:66
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.