ICERAS

ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally

እቶም ብሰነ ካብ ኢትዮጵያ ብጅምላ ዝተሰጐጕ ኤርትራውያን ኣበይ ኣተው?

እቶም ብሰነ ካብ ኢትዮጵያ ብጅምላ ዝተሰጐጕ ኤርትራውያን ኣበይ ኣተው?

ኣብ ኣልምዋጭ ዝታትሕዙ ኤርትራውያን

21 ሓምለ 2023, 08:26 EAT

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2023፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ነይሩ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኤርትራውያን ናብቲ ኮሚሽን ብዘቕረብዎ ጥርዓን እቲ ምሕጽንታ ከም ዝወጸ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቲ ኮሚሽን፡ብዙሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን መረጋገጺ ሰነድ የብልኩምን ተባሂሎም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ከተማታት ኢትዮጵያን፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ተኣሲሮም ከምዘለው ኣፍሊጡ።

ገለ ካብኣቶም እውን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከምዝተፈትሑ ጸብጻባቱ ይገልጽ።

ይዅን እምበር ምሕጽንታ ናይቲ ኮሚሽን እናሃለወ፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2023፡ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣስታት 200 ዝዀኑ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም መሊሶምዎም ኣለው።

ብኡ ንብኡ ከኣ ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላስ” ከምዘሻቐሎ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ኮምሽን፡ “ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ዘይምምላስን፡ ዝዀነ ሰብ ናብታ ስቅያት፡ ጭካነ፡ ኢሰብኣዊን፡ ዘዋርድ ኣተሓሕዛን መቕጻዕቲን ዝረኣየላ ወይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ዝፈርሓ ሃገር ንኸይምለስ ውሕስነት ክወሃቦ ዘገድድ፡” ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ነቒፉዎ ኣሎ።

ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ግን፡ “ኵሎም እቶም ተመለስቲ ምዝጉባት ስደተኛታት ወይ ሓተትቲ ዑቕባ ኣይኰኑን፡” ክብል’ዩ ነቲ ክሲ ዝነጽጎ።

ቢቢሲ ዘዘራርቦም ስደተኛታት ግን ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ወረቐት ስደተኛታት ይህብ ከምዘለየሎ እዮም ዝገልጹ።

ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምጥራዝ “ብህጹጽ ደው ከብሎ” ጸዊዖም።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ባቢከር ዝርከቦም ላዕለዎት ክኢላታት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ “ጃምላዊ ምስጓግ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክልኩል እዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ጃምላዊ ምስጓግ፡ ስድራ ቤታት ከምዝተበታተናን፡ ወለዲ ናብ ኤርትራ ምሰ ተሰጐጕ ደቆም ኣብ ኢትዮጵያም ዝተረፉሉ ኵነታት ከምዝተፈጠረ ይግለጽ።

ሕጂ’ኸ ኣበይ ኣተው

ሰናይ (ሽሙ ዝተቐየረ) ኣብ ሱዳን ካብ ዝተወለዐ ኲናት ሃዲሙ መጀመርያ ናብ ገዳርፍ ከምዝኣተው ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ከም ሰናይ ዝኣመሰሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም፡ ናብራኦም ንምምሕያሽ ለይትን ቀትርን ይሰርሑን ልክዕ ከም ደቂ ሃገር ብሰላም ይነብሩን ነይሮም።

ይዅን እምበር ኣብታ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩላ ከተማ ካርቱም ውግእ ምስ ተወልዐ፡ ኣሽሓት ሰባት ንግብጺ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ሃዲሞም እዮም።

ሰናይ’ውን ከምሰቡ ነብሱ ንምድሓን ብመተማ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ ኣትዩ። ናይ ቀረባ ዘመዱ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ ግን፡ ንኣዲስ ኣበባ ምስኣተወ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ብፖሊስ ስለዝተታሕዘ፡ ንሳን ካልኦትን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ንኸፍትሑዎ ብዙሕ ጽዒሮም።

“ንሕና፡ ሰናይ፡ ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲሙ ዝመጽአ ስደተኛ’ዩ ኢልና ክነውጽኦ ብዝከኣለና ፈቲንና ኢና። እንተዀነ ነቲ መግቢ ወሲዶም ጸኒሕና ክንሰዶ ኢና ኢሎም እዮም የፋንውና ነይሮም፡” ትብል።

ዳሕራይ ግን ሃንደበትን ዘይተጸበዩዎም ብኣውቶቡሳት ጽዒኖም ብመገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደዱዎም ሰናይ ባዕሉ ደዊሉ ከምዝነገሮም፤ ካቡኡ ናብ ከተማ ባጽዕ ዳሕራይ ናብ ኣስመራ ወሲዶም ኣብ ማይ-ስርዋ ከምዝዳጐንዎ ትገልጽ።

“ሰናይ ኣብ ሱዳን ንሰለስተ ዓመት ከርቲቱ፡ ኣብ ሱደን ካብ ዘጋጠሞ ሓዊ ሃዲሙ ውሕስቲ ናብ ዝበላ ኢትዮጵያ ኣትዩ ክብቅዕ፡ ናብታ ሃዲሙ ዝወጽኣላ ሃገሩ ኤርትራ ብኣስገዳድ ክውሰድ ዘሕዝን’ዩ” ክትብል በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት ተማርር።

ኣብ መንጐ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ-ሕሜቲን ዝተወልዐ ውግእ ንምህዳእ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ወጻእን ፈተውቲ ሃገራትን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተተፈተነ ክሳብ ሕጂ ግን ብግብሪ ውግእ ኣይሃድአን።

“ሕጂ’ውን ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ወረቐት ሰለዘይህቡ እቲ ሰብ ተሸቝሪሩ’ዩ ዝነብር። ንዓና’ውን መዓስ ከምዝወስዱና ኣይፈለጥናን፡” ትብል ዘመድ ሰናይ።

ካልእ፡ ሓዋ ናብ ኤርትራ ዝተሰጐጋ ቢቢሲ ዘዘራረባ ጓል፡ ብሰንኪ’ቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሃዲሙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ሓዋ፡ ካብ ጐደና ተገፊፉ ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ዓሰብ ኤርትራ ከምዝተጠረዘ ትገልጽ።

ንሱ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ካብቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠሞም ‘ቅትለትን ጭውያን’ ኣምሊጡ ካብታ ዝሃደመላ ሃገር ምምላሱ ንምሉእ ስድራ ኣሰምቢዱ ከምዘሎ ትሕብር።

“እዚ ወዲ፡ ካብ ኲናት ትግራይ ሃዲሙ፡ ብዙሕ መከራን ሕሰምን ርእዩ፡ ነብሱ ከድሕን ንኢትዮጵያ ዝኣተወ ክነሱ ብኣስገዳድ ንኤርትራ ክምለስ ፍትሓዊ ኣይኮነን” ትብል።

ኣብዚ እዋን፡ ሓዋ ኣብ ዓዲ-ኣቤቶ ተኣሲሩ ከምዘሎን፡ ኣብ ኤርትራ ዘለው ስድራ ክበጽሕዎ ፈቲኖም ከምዘይሰለጦም ትሕብር።

መንግሰቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቶም ናብ ኤርትራ ተሰጕጐም ዝተመልሱ ዝዀነ ይዅን መግለጺ ኣይሃበን።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን፡ ስቅያት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ማእሰርትን ከምዘጋጥሞም፡ ጸብጻባት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

Source BBC


Leave a Reply

  • hublot replicas
  • replica uhren erfahrungen
  • uhren replika
  • swiss replica uhren
  • replica uhr
  • uhren kaufen online
  • luxusuhren replica
  • replica uhren per nachnahme
  • uhren imitate
  • fake uhren hublot
  • gefalschte uhren
  • replica uhren shop
  • uhren replica hublot
  • replique montre hublot
  • replique montre pas cher
  • copie montre de luxe
  • replica de relojes cartier
  • relojes imitacion tag heuer
  • replicas watches
  • relojes replicas aaa
  • repliche orologi di lusso
  • replica orologi svizzeri
  • replica orologi
  • orologi replica italia
  • repliche orologi
  • relojes especiales
  • replica de relojes
  • replicas relojes de lujo
  • imitaciones de relojes
  • replicas de relojes en espana
  • replicas de relojes suizos
  • replicas relojes espana
  • relojes especiales compraventa
  • relojes de lujo marcas
  • replicas relojes suizos
  • relojes replicas suizas
  • replica de relojes rolex
  • replica de relojes cartier
  • replica de relojes breitling
  • relojes especiales omega
  • replicas relojes tag heuer
  • relojes especiales omega
  • replica de relojes rolex
  • replicas de relojes
  • repliche orologi di lusso
  • replica orologi svizzeri
  • uhren fakes
  • replique montre luxe
  • orologi replica
  • repliche orologi
  • replica orologi
  • imitazioni orologi
  • replica orologi svizzeri
  • repliche orologi di lusso
  • replica iwc
  • orologi imitazioni
  • imitazione orologi
  • orologi repliche perfette
  • orologi di lusso replica
  • orologi replica cinesi
  • orologi replica milano
  • replica orologi italia
  • orologi replica rolex
  • orologi replica longines
  • repliche orologi di lusso
  • gefalschte uhren
  • replica uhren shop
  • uhren replica hublot
  • replique montre omega
  • replique montre luxe
  • montre pas cher
  • replicas de relojes
  • Imitation De Montres Omega Montres Imitacion de relojes Rolex baratos espa?a Rolex Replica Orologi Omega Replica Orologi Longines Replica