ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ኣብ ARRA ዝሰርሑ ገለ ኤርትራዉያን ነሓዋቶም ስደተኛታት ይብድሉ
ኣብ ከተማ ኣዲሳኣበባ ኣብ ዘሎ ቤትጽሕፈት ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ማለት ARRA ተቘጺሮም ዝሰርሑ ገለ ኤርትራዉያን ፣ ጸገማት ኣሕዋቶም ኣብ ምግዳድ ብመሪሕነት ይሰርሑ ምህላዎም ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ብዘይካ’ቲ ARRA ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ዘርእዮ ምጒናይ ናይቶም ኤርትራዉያን ሰራሕተኛታት ተግባራት እዉን ነቲ ኩነታት የብእሶ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣሕዋቶም ካብ’ቲ ቤትጽሕፈት ዝጠልብዎ ዝተፈላለየ ሰነዳዊ ደገፍ ኣብ ግዜኡ ከይሰልጦም ዕንቅፋታት ይፈጥሩ ከምዘለዉ ዝንገረሎም እቶም ሰራሕተኛታት ፣ ብፍላይ እቶም መገሻ ዝቐረቦም ወገናትና ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ይንገር።
ናይ ዳግመሰፈራ መስርሖም ልዕሊ ልክዑ ግዜ ዝወስድ ናይ ዘሎ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝሒ ይዛይድ ምህላዉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት ፣ ነዚ ኣብ ምግዳድ ሕልናኦም ቀቲሎም ኣንጻር ረብሓ ኣሕዋቶም ዝሰርሑ ዘለዉ ገለ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ARRA ካብ ጌጋኦም ክእረሙ ተማሕጺኖም።
ገለ ካብቶም ሰራሕተኛታት ምስ ህግደፍ ዝቃረቡ ምዃኖም ወሲኾም ዘረድኡ እቶም ምንጭታት፣ ARRA ነዚ ተገንዚቡ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ዘሎ ኣሰራርሓ ከጽሪ ካብ ኣብ ስደት ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ጻዉዒትን ጸቕጥን ክዛይድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።
ህግደፍ ምስ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተላ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተራቐቐ ዝምድናታት እንዳፈጠረ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ግዳይ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ በደላት ኮይኖም ዓቕሎም ከጽብቡን ናብ ካልኦት ሃገራት እዚ ዞባ ከርሕቚን ይሰርሕ ምህላዉ ኣይርሳዕን። source
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.