ICERAS
ICERAS focuses on facilitating asylum seekers and refugees internationally
ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ጣልያን ከይትኣቱ ዝኸልከለ ሚኒስተር ናብ ፍርዲ ክቐርብ’ዩ
31 ሓምለ 2020
ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ዓዲ ጥልያን ነቲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ዓዲ ጣልያን ከይትኣቱ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሳምንቲ ስለዝኸልከለ፡ ኣብ ሕጊ ክቀርብ ከምዝድግፉ ገሊጾም።
እታ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ዘድሓነት መርከብ ገባሪ ሰናይ ‘ኦፕን ኣርም’፡ ንልዕሊ 19 መዓልታት ናብ ወደባት ጣልያን ከይትኣቱ ተኸልኪላ ነይራ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ሲሲሊ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ እቲ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደቂ ሰባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ክሳብ 15 ዓመታት ከእስሮ ከምዝኽል ሓቢሮም።
እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ብዝወስዶ መርገጺ ዝፍለጥ ሚኒስተር ‘ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደቂ ሰባት’ ብዝብል ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርብ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ዓዲ ጣልያን 149 ብ 141 ድምጺ እዮም በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽልካል እታ ስደተኛታት ዝጽዓት መርከብ፡ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ወሲኖም።
- ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ክኣትው ተፈቒዱሎም
- ጣልያን ነቲ ጅግና ተምሃራይ ዜግነት ክትህቦ እያ
- ጥልያን፡ ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት መርከብ ናብ ላምፓዱሳ ክትኣቱ ኣፍቒዳ
readmore
Leave a Reply
You must be logged in to post a comment.